ኣብ መንበሪ ገዛ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዝምልከት ክሲ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ዝርእይዎም ህፁፃት ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ መምርሒ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ዝርእይዎም ህፁፃት ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ መምርሒ ከምዝተውሃበ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝፀሓፍኡ፥ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ሕብረተሰብ ኣብ መንበሪኡ እንትውዕል ኣብ መንበሪ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ክውስኹ ከምዝኽእሉ ብምሕሳብ ዝወፀ መምርሒ ኢዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ዝርእይዎም ህፁፃት ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ መምርሒ ምውሃቡ ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment