ኣብ መበል 44 ሻምፒዮና ሃገር ኣቋፂ ዓለም ንዝተሳተፈት ጉጅለ ኣትሌቲክስ መበረታተዒ ሽልማት ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 44 ሻምፒዮና ሃገር ኣቋፂ ዓለም ንዝተሳተፈት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበረታተዒ ሽልማት ተገይሩላ።

እቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ፥ ካብ ዓለም 2 ወርቂ፣ 7 ብሩርን  1 ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተመሊሱ።
ብመሰረት እቲ ሽልማት ድማ እቲ ፌዴሬሽን ወርቂ ንዘምፀአ 45 ሺሕ፣ ንብሩር 30 ሺሕ፣ ንነሓስ 15 ሺሕ፣ ንዲፕሎማ 10 ሺሕን ንተሳትፎ 5 ሺሕን ብር ንሕድሕድ ተሳተፍቲ ሸሊሙ።

እቲ ልኡኽ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment