ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው÷ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉን ተረኺቦም፡፡
እቲ ልኡኽ ሎሚ ምሽት ዝጓዓዙ ኣባላት ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ዓለም ሓዊሱ ብሸውዓተ ዙር ተኸፊሉ ናብ ሃንጋሪ ከምዘምርሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣርባዕተ ኣትሌታት ዝሓዘ ቀዳማይ ጉጅለ ስፖርተኛታት ሰሉስ ናብቲ ቦታ ከቕንዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ቀፃሊ ረቡዕ ድማ ብ10 ሺሕን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ መሕንኩሎ ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ቡዳፔስት ከምዝጓዓዝ ተገሊፁ፡፡
ቀዳም ኣብ ዝጅመር ውድድር÷ ኢትዮጵያ ብ19 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ብ35 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ፡፡
መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ 13 ክሳብ 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ።
ብታሪኩ ጉታ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com