ኣብ መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ስሑል ሽረ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ኣዳማ ከተማን ወላይታ ድቻን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ትማሊ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሎም ውዒሎም።

ብመሰረት እዚ ስሑል ሽረ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ኣዳማ ከተማ፣ ክማ ኣባ ክፋር፣ ወላይታ ድቻን ወልቂጤ ከተማን እንትዕወታ፥ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ ባህርዳር ከተማ፣ ሃዋሳ ከተማ፣ ኢትዮጵያ ቡናን ሲዳማ ቡናን ስዕረት ኣተኣናጊደን።

ንጋንታ ስሑል ሽረ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ንሃዋሳ ከተማ ኣተኣናጊዳ 3 ን 0 ተዓዊታ ኣላ።

መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ መቕለ 70 እንደርታ ናብ ከተማ ጅማ ተጓዒዛ ምስ ጅማ ኣባ ጅፋር ዝገበረቶ ፀወታ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ መሪሕነታ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ኣሕሊፋ ሂባ።

ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሲዳማ ቡና ኣተኣናጊዳ 6 ን 2 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ብምስዓር መሪሕነታ ካብ መቐለ 70 እንደርታ ክትርከብ ክኢላ ኢያ።

ኣዳማ ከተማ ንኢትዮጵያ ቡና፣ ወላይታ ድቻ ንድሬዳዋ ብተመሳሳሊ ውፅኢት 3 ን 0 እንትስዕራ፥ ወልቂጤ ከተማ ኣብ ልዕሊ ባህርዳር ከተማ 2 ን 0 ዓወት ኣመዝጊባ።

ሎሚ መዓልቲ 2 ቀሪ ፀወታታት ዝካየዱ እንትኾኑ፥ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ፋሲል ከነማ፣ ሰበታ ከተማ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ክራኸባ ኢየን።

Comments (0)
Add Comment