ኣብ መበል ካልኣይ ዙር እንትወሃብ ዝነበረ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ብምኽኒያት ፀፅታ ኣብ 2013 ዓ.ም ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ንዘይወሰዱ ተምሃሮ አንትወሃብ ዝነበረ ፈተና ብሰላም ተዛዚሙ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተሓባበርቱን ብምኽኒያት ዝፈጠርዎ ፀገም ፀፅታ ኣብ 2013 ዓ.ም ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ዘይወሰዱ ተምሃሮ ኣብ ካልኣይ ዙር ካብ 24 ጥሪ ጀሚሩ ክወስዱ ፀኒሖም ኢዮም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን ኣይተ ተፈራ ፈይሳ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ 189 ጣቢያታት መውሃቢ ፈተና ዝተውሃበ ፈተና ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ መዝዛሙ ተዛሪቦም።

እቲ ፈተና ብሰላም ንክዛዘም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ፣ ወለዲ፣ ተምሃሮን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዘመስገኑ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment