ኣብ መበል ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ ኣብ  ከተማ ድሬዳዋ መድረኽ ፓናል ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣  1 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ ኣብ  ከተማ ድሬዳዋ መድረኽ ፓናል ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “ከባቢያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ጂኦፖለቲካዊን ፅዕንቶታት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ብመሰረት እዚ ሃፍቲን ልምዓትን ማይ ኢትዮጵያን ስግኣታትን፣ ኣጠቓቕማን ዲፕሎማሲን ወሓዚ ሩባ ማይ ኣባይ ከምኡውን ሕጋዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ዝብሉን ካልኦት ርእስታትን ዝሓዙ ፅሑፋት ክቐርቡ ኢዮም።

ኣብቲ ዘተ ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዶክተር አረጋዊ በርሀ ሓዊሱ ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ኣብ ዝግበሩ ድርድራት ኢትዮጵያ ብምውካል ዝደራደሩ ዘለዉ ምሁራን ተረኺቦም።

ብተሾመ ኃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment