ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዝተሃነፀ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓገዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዝተሃነፀ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተመሪቑ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነርን ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ቤተ ንባብ፣ ቤተ ፈተነን ነፃ ግልጋሎት ኢንተርኔትን ዝሓዘ እቲ ማእኸል፥ ካብ ማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዘለው ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ግልጋሎት ዝረኽብሉ ዕድል ከምዝፈጥር ፕሮፌሰር ክንደያ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ማይክ ሬነር ብወገኖም፥ እቲ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን መንግስቲ ትግራይ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ሓጋዚ ከምዝኾን እምነት ኣለኒ ኢሎም።

መንግስቲ ትግራይ ኣንፃር ድኽነት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ፥ ሃገሮም ኣሜሪካ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምእትገብር እውን ኣረጋጊፆም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

Comments (0)
Add Comment