ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2016 ዓ/ም ሓደሽቲ ክህነፁ ንዝተነፀሩን ብሰንኪ ኲናት ህንፀቶም ጠጠው ዝበሉን መሰረተ ልምዓታት ንምዝዛም ካብ ውሽጢ ኣታዊ፣ ስሩዕ ባጀትን ካብ ልምዓት ባንክን ልዕሊ 2 ቢልየን ብር ባጀት ከም ዝተመደበሉ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት(ካብ 2016 ክሳብ 2018 ዓ.ም)  ኣብታ ከተማ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ብቕደም ሰዓብ ብምቕማጥ ምስ ህዝቢ ዘቲዩ።

ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣማሃ፥ እቶም ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ክህነፁ መደብ ዝተትሓዘሎም መሰረተ ልምዓት ብመንፅር ፀገማት ህዝቢ ብቕደም ሰዓቦም ከም ዝተቐመጡ ገሊፆም።

ካብቶም ዝህነፁ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ማይ፣ መብራህትን ፅርግያን ቀዳምነት ከምዝተወሃቦም እውን ሓቢሮም።

ኣብ 2016 ዓ/ም ሓደሽቲ ክህነፁ ንዝተነፀሩን ብሰንኪ ኲናት ህንፀቶም ጠጠው ዝበሉን መሰረተ ልምዓታት ንምዝዛም ካብ ውሽጢ ኣታዊ፣ ስሩዕ ባጀትን ካብ ልምዓት ባንክን ልዕሊ 2 ቢልየን ብር ባጀት ከም ዝተመደበሉ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ኣተሓባባሪ መደብ ልምዓት ትካላውን ትሕተ ቅርፅን ከተማታት ጨንፈር መቐለ ኣይተ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፥ እቲ ዝተሰለዐ ባጀት ኣብ መዓልኡ ክውዕልን ብፅሬትን ሰለጤንን ዝህነፁ መሰረተ ልምዓት ዝቆፃፀር ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሸ ምብርሆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment