ኣብ መቐለ ኣብ 100 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ሪል እሰቴት ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሞሞና ንዝህነፅ መንበሪ ኣባይቲ ሪልስቴት እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም።

ድሕሪ ምንባር እቲ እምነ ኩርናዕ መቐለ ዓለም ለኸ ኸተማ እያ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፂዮን፥ እታ ዕለት መፃኢ ትግራይ ንምርግጋፅ ብዙሕ መስዋእቲ ሀይወት ዝተኸፈለላ እያ ኢሎም።

ነቲ መንበሪ ሪል ስቴት ዝሃንፅ ሱር ኮንስትራኽሽን እውን ውፅኢት ቃልሲ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

“ትግራይ ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና ክንብል ኸለና መንገዲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከተማ ገዛ እውን ብምስራሕ እዩ” ምስበሉ፥ ምስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትትል እውን ክንገብር ኢና ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ሪል እሰቴት ኣብ 100 ሄክታር ዝዓርፍ እዩ።

ኣብ ውሽጡ ግልጋሎት መዘናገዒ፣ ባንክን ካልኦትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

 

እቶም ኣባይቲ ዘመናዊ ብዝኾነ መገዲ ዝህነፁ እንትኾኑ፥ ንፁህ ኣየር ዘለዎን ካብ ተፅዕኖ ነፃ ዝኾኑ ዝተፈላላዩ ዓይነት ተኽልታት ክትከሉ እዮም።

ካብ ወፃኢ መፅዮም ኣብ ከተማ መቐለ ምንባር ንዝመርፁ ምቹው ከምዝኸውን እውን ተሓቢሩ።

ከም ኣገላልፃ ምክትል ከንቲባ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ፥ እቲ ሪል ስቴት ዲዛይን ስራሕቱ ዝተወገነ፣ ንመንበሪ ምችው፣ ፀገም መንበሪ ገዛ ዝፈትሕ፣ ዕድል ስራሕ እውን ዝፈጥር እዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment