ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ዝኣተዋ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ብተጠቀምቲ ጠለበን እናወሰኸ ምምፅኡ ኣቕረብቲ ተሸከርከርቲን ተጠቀምቲን እታ ከተማ ገሊፆም።
ዓቕሚ ምክልኻል ብኽለት ድምፂ እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ዕዳጋ ተመረፅቲ ንኽኾና ምኽንያት ከምዝኾነ እውን እቶም ኣቕረብቲ ኣመልኪቶም።
በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ክሌማዊ ለውጢን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብግድኡ÷ እተን ተሽከርከርቲ ዝጥቀመኦ ቴክኖሎጂ ብኽለት ድምፂን ኣየርን ዝንክዩ ብምዃኖም ብመንግስቲ ዝበረታትዓ ከምዝኾና ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣብቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ክትትልን ትግበራን ኣይተ ሕሉፍ ሓጎስ ከምዝገለፁዎ፤ መንግስቲ ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወር ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናወገነ ይርከብ።
ሰብ ሃፍቲ ብኽለት ዘይብለን ተሽከርከርቲ ናብ ዕዳጋ ኣብምቕራብ እናገበሩዎ ዝርከቡ ምንቅስቓስ ከም ክልል ዝድገፍን ክበረታታዕ ዝግበኦን ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።