ኣብ መቐለ ብ9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብ9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ትልሚ ከምዝሓዘ ገሊፁ።

እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ ነበርቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ይካየድ ኣሎ።

ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ይትባረክ ኣምሃ፥ ንምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ጥዕናን ትምህርቲን ብፍሉይ ጠመተ ሂብካ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኣካል እቲ ትልሚ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment