ኣብ መርካቶ ዝተረጋገአ ዕድጊት ኣሎ!

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ሓደ ሓደ ነጋዶ “ንብረት ክውረስ ኢዩ፤ ዱንኳንና ክዕፆ ኢዩ” ኣብ ዝብል ምድንጋር ከምዝኣተዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተዓዚብና ነይርና፡፡

እቲ ምድንጋር ካበይ መፂኡ ዝብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝገበሮ ምፅራይ÷ ብደረሰኝ ክተዓዳደጉ ዝግበኦም ነጋዴ በዚ ከይዲ ንኽሓልፉ ኣብ ዝግበር ስራሕ እንተይኮነ ከምዘይተርፍ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብታ ከተማ ሓደ ሓደ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ ስርዓት ንምትሓዝ እናተሰርሐ ከምዝኾ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ እቶት ኣዲስ ኣበባ ሰውነት ኣየለ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ብደረሰኝ ክተዓዳደጉ ዝግበኦም ነጋዴ ብምፍላይ ብደረሰኝ ዕድጊት ንኽፍፅሙ ብዙሓት ልዝባት ተገይሮም ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣልዒሎም፡፡

ይኹን እምበር ነዚ ምርድዳእ ንደሓር ብምባልን ሕጋዊ ስርዓት ንግዲ ንምዝርጋሕ እናተወገነ ዝርከብ ስራሕ ንምትእጉጓልን ዝሓሰቡ ሓደ ሓደ ኣካላት ንብረት ምሕባእ ሓዊሱ ሹቅ ክዓፀዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ሓደ ሓደ ኣፍረይቲ፣ ኣከፋፈልቲን ቸርቸርቲን ነጋዶ ብዘይደረሰኝ ምትዕድዳግ ብገንዘብን ብገበንን ከምዘቕፅዕ ክግንዘቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ሓደ ሓደ ኣካላትን “ኣብ መርካቶ ነጋዳይ ፈሪሑ ድንኳኑ ዓፅዩ፤ ብዘይተለመደ መልክዑ ኣስፋልት መፃወቲ ከዕሾ ኮይኑ” ብዝብል እናተናፈሰ ዝርከብ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ “ኣብ መርካቶ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ዝተረጋገአ ዕድጊት ኣሎ” ኢሎም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment