ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጀመሮ ካገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፁ።

ኣብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምክትል ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ካትሪን ፊኒ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ስትራቴጂ ብምፅዳቕ ንዘርአዮ ቆራፅነት ዝምስገን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

መርሃ ግብሪ ቤት ትምህርቲ፥ ተሳትፎ ትምህርቲን ምጣነ ምምሃር ካብ ምምሕያሹ ብተወሳኺ ኣብ ስርዓተ ፆታ ዘሎ ክፍተት ኣብ ምብላእ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እተን ምክትል ዳይሬክተር ኣገንዚበን፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ብግደኦም፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓዊሱ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምትሕብባር እናተሳተፉ ንዝርከቡ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣመስጊኖም፡፡

እቲ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment