ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ተተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ከምዝተተኸሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ እዚ ዓመት፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተሓሲቡ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ሎሚ መዓልቲ ብዝተገበረ ሰፊሕ ርብርብ 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ምትካል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ዕዉት ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ ንዝተሳተፉ ኣካላት እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስጋና ኣቅሪቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment