ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተቓላዓይነት ለውጢ ክሌማ ንምቕናስ ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።
ኣይተ ደመቀ ምስ ፍልይቲ ልኡኽ ትግበራ ለውጢ ክሌማ ጀርመን ጄኒፈር ሊ ሞርጋን ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ለውጢ ክሌማ፣ ምክልኻል ልቀት ካርቦንን ተሓደስቲ ሓይሊን ወዘተ ዘድሃበ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።
ኢትዮጵያ ነዚኣቶም ኣብ ምክልኻልን ምትግባርን ብዙሓት ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ካብ ብኽለት ኣየር ናፃ ዝኾነ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእል ፕሮጀከት ግድብ ህዳሰ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ትገብር ከምዘላ አውን ተዛሪቦም።
እተን ፍልይቲ ልኡኽ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ለውጢ ክሌማ ንምፅዋር ዝጀመረቶ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ነክዕወት ጀርመን ደገፍ ከምእትገበር ምግላፀን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።