ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣድሂቡ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልዝብ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝፀደቐ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣድሂቡ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልዝብ ይግበር ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋን ኣባላት እቲ ባይቶን ተረኺቦም።

ብመሰረት እቲ ትልሚ፥ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ካብ 2013 ክሳብ 2022 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ብማእኸላይ 10 ሚኢታዊ ንምዕባይ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ትልሚ ልምዓት ነፍሲ ወከፍ እቶት 2 ሺሕን 201 ዶላር ኣሜሪካ ንምብፃሕ ዝተሓሰበ እንትኸውን፥ ምጣነ ድኽነት እውን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ንምንካይ ትልሚ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ድማ ሃገራዊ ስእነት ስራሕ ከተማ ምጣነ ኣብ 2012 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 18 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ኣብ 2022 ዓ.ም ናብ 9 ሚኢታዊ ንምንካይ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ትልሚ ልምዓት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ግልጋሎት ጥዕናን ትምህርቲን ቀንዲ ቀንዲ ኣንፈታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እቲ ትልሚ 10 ዓመት፥ ማእኸላይ ናይ ምንባር ዕድመ ካብ 65 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ናብ 68 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ከምዝተሓሰበ ካብ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment