ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጅማ ብተፈጥሮ ሳይንስ 12 ክፍሊ ዝተፈተኑ ክልተ አሕዋት ቦና ደጀኔን ሮብሰን ደጀኔን ዕግብ ውፅኢት ኣመዝጊቦም።
ኣብቲ መልቀቕ ፈተና÷ ቦና ደጀኔ 566 እንተመዝግብ፤ ሮብሰን ደጀኔ ድማ 537 ከመዝግብ ክኢሉ፡፡
ካብ ሓደ ቤተሰብ ዝሐሸ ውፅኢት ዘምፅኡ ክልተ ኣሕዋት÷ ካብ ቅድመ ስሩዕ ጀሚሩ 1ይን 2ይን ብርኪ ትምህርቶም እንተይተፈላለዩ ኣብ ሓደ ክፍሊ ከምዝተምሃሩ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘይተረደኦም ሕድሕዶም ምትሕግጋዝ ልምዶም ከምዘደንፈዐሎም ገሊፆም፡፡
ንብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብምርድዳእ እኹል ምድላው ከምዝገበሩ ንዝሐሸ ውፅኢት ከምዘብቀዖም እውን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
እኖኦም መምህር መሰረት መስፍንን ኣቦኦም ደጀኔ ሁርጌን ብግደኦም÷ ደቆም ኣብ ትምህርቶም ትኹረት ብምግባር ዝሐሸ ውፀኢት ንኸምፅኡ ዘይተቛረፀ ኻገዝን ክትትልን ከምዝገብሩ ኣልዒሎም፡፡
ብወርቃፈራው ያለው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com