ኣብ መላእ ኦሮሚያ ሽርሒ ምፍራስ ሃገር ግብረ ራዕዲታት ወያነን ሸኔን ብምውጋዝ ዓብዪ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ኦሮሚያ ሽርሒ ምፍራስ ሃገር ግብረ ራዕዲታት ወያነን ሸኔን ብምውጋዝ ዓብዪ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሰልፈኛታት ሓሽከር ወያነ ብምዃን ዘገለገል ዘሎ ሸኔን ጨፍጫፍን ዘራፍን ወያነን ዘካይድዎ ዘለዉ ሃገርን ህዝብን ናይ ምጥፋእ ሽርሒ ነሕና ብህይወት እናለና ክዕወት ኣይኽእል፣ ፃውዒት ክተት ተቐቢልና ብምዝማት ሉእላውነት ኢትዮጵያ ክነኽብር ኢና ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብመሰረት ዝሓቡና ሓበሬታ፥ ዕጉስን ሰላማዊን ዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ ክልቲኦም ግብረ ራዕዲታት ኢትዮጵያ ፀላእቲ ዝኾኑ ልኡኽ ባዕዲ ንምፍፃም የካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ከምዘውግዙ እቶም ሰልፈኛታት ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት ካብ ዝሓዝዎም ጭርሖታት፥ “ወያነ ናይ ኢትዮጵያ ኩሉ ፀላኢ ኢዩ! ኣነ እናለኹ ወያነ ዳግም ኣብ ዝባን ህዝብና ናይ ጭቆና ቀንበር ኣይፅዕንን ወያነ ምውጋድ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ህልውና ምርግጋፅ ኢዩ! ኣይርስዕን! ወያነ ናይ ኦሮሞ ቄሮን ቃሪን ፀላኢት ኢያ! ክዘምት ኢየ! ናይ ኢትዮጵያ ልእላውነት ከኽበር ኢየ! ብሓደ ኢድና ልምዓትመና ንምስላጥ ብኻሊእ ኢድና ፀላእቲና ንምቕባር ተጊህና ክንሰርሕ አና” ዝብሉ ይርከብዎም።

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment