ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝተብሃሉ ሓደገኛ ረቂቕ ሕግታት ንከይፀድቁ ሰፊሕ ወፍሪ ንክገብሩ ኣይተ ደመቀ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ዴያስፖራታት ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምትሕልላፍ ዝተለምዎ ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝተብሃሉ ሓደገኛ ረቂቕ ሕግታት ንከይፀድቁ ሰፊሕ ወፍሪ ንክገብሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ኮሚዩኒቲ፣ ፎርስ ታስክ፣ ኣመራርሓን ተወከልቲን ሲቪክ ማህበራት ትማሊ ብዙም ዘተ ኣካይዶም።

ብኮንግረስን ሴኔትን ኣሜሪካ ኣቢሉ ብብርኪ ረቂቕ ዝርከቡ ኤች ኣር 6600 ከምኡውን ኤስ 3199 ብዝብል ዝቐረቡ ረቀቕቲ ሕጊታት ኢትዮጵያዊያን ብመስዋእትነት ደም ዘኽበርዎ ሉእላውነት ብኢደዙር ንምምንጣል ሽርሒታት ኢዮም ኢሎም።

እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት እንተፀዲቖም ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ ርክብ ፀፅታ፣ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ብካልኦት ሓይሊታት ሰናይ ድሌት ንክንጥልጠልን ንባዕላ ዘይትከላኸልን ሽባ ሃገር ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ትሑት ብርኪ ድናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ሓዊሱ ዳያስፖራ ምስ ዓዱን ኣዝማዱን ዘቆራርፅ ኣዚዩ ኣሳሪን ተራእዩ ዘይፈልጥን ናይ ሉእላውነት ምንጠላ ረቂቕ ሕጊታት ኢዮም ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ሃገርና ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ  ዲፕሎማሲ ንምፅዋር ዳያስፖራ ወገንና ዛሕሊን ፀሓይን ከይፈተኖ ንዘርኣዮ ሓቃዊ ሃገር ፍቕሪ ምስጋና ብምቕራብ፥ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ንከይፀድቁ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብዝተዋደደ ናይ ሓድነት ወፍሪ ንክንቀሳቐሱ ሓቲቶም።

መንግስቲ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቶታት ሃገር ዘቐደሙን ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ተሓሳቢ ብምግባር ዝውሰኑ ከምዝኾኑ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ሉእላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከምዘይደራደር ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዝህልዋ ብዙሕ ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ንክጠናኸር ኩሉ ግዜ ድልውቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ሉእላውነታ ዝዳፍኡኢድ ኣእታውነት ግን ከምዘይትቕበል ኣረጋጊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ብግደኦም፥ ዲያስፖራ ኣብ ከከባቢኡ ዘሎዉ ተመረፅቲ መንግስቲ ብስልኪ፣ ኢሜይል፣ ፊርማ ብምትእኽካብን ብኣካል እናረኸበ ኣፍራሲነት እቶም ረቂቕቲ ሕጊታት ንከረድእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ኢትዮጵያ ንባዕላ ናይ ምክልኻል ሉእላዊ መሰላ ንምሕላው ንባዕላ ኣብ ዓውዲ ፀፅታ ንከይተዳራጁ ዝኽልክሉ ከምኡውን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንከትጠናኸር ንምግባር ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ብኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምፅጋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልቓሕን ሓገዝን ንከይርከብ ዝኽልክሉ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ግንባር ዝተስዓሩ ኣካላት ብካሊእ መዳይ ዘምፅእዎም ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝበሃሉ ረቀቕቲ ሕጊታት ንከይፀድቁ ዝተጠናኸረ ተቓውሞ ንክገብሩ ሓቲቶም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment