ኣብ መላእ ትግራይ ካብ ዕለተ ሶኒ ጀሚሩ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ዳህሳስ መኸተ ቫይረስኮሮና ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዕለተ ሶኒ 5 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ዳህሳስ ቫይረስ ኮሮና ከምዝካየድ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዳህሳስ 23 ሽሕ በዓል ሞያ ዝሳተፋሉ ኢዩ።

እቲ ዳህሳስ ኣብ ገፀር ይኹን ከተማታት ትግራይ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ግንዛበ፣ ኣብ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣፍልጦ ክህልዎን እታወታት መከላኸሊ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ምህላውን ክድህሰስ እዩ ኢሎም።

ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ ምልክት ዝተርኣዮ ይኹን ካብ ካልእ ኸባቢ ዝመፀ ወገን ምርመራ ክካየደሉ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ 92 ወረዳታት ሕድሕድ ክኢላ ተመዲቡለን እዩ ዝበሉ ደ/ር ሓጎስ፥ እቲ ዳህሳስ ኣብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝዛዘም ተዛሪቦም።

ኣብ ገፀር ብመዓልቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ኣብ ከተማ ድማ ካብ 25 ክሳብ 30 ገዛውቲ ክፅንዓ ትልሚ ተታሒዙለን እውን ኢሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ ግና ፅባሕ ሰንበት ክጅምር እዩ ተባሂሉ።

ኩሉ ሕብረተሰብ ድማ እቲ ዝግበር ዳህሳስ ንድሕንነት ህዝቢ ምዃኑ ተረዲኡ ነቶም ሰብሞያ ዘድሊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ ኢሎም ዶ/ር ሓጎስ።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment