ኣብ ሕርሻ ክራማት ክሳብ ሕዚ 13 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሄክታር ብዝራእቲ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕርሻ ክራማት ክሳብ ሕዚ 13 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሄክታር ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ ክሻብ 2 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ሲዳማን ሃረሪን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ÷ ልዕሊ 17 ሚሊየን 390 ሺሕን 818 ሄክታር መሬት ንምሕራስ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ብባህላዊ መገዲ 12 ሚሊየን 844 ሺሕን 743 ሄክታርን ብትራክተር ድማ ልዕሊ 3 ሚሊየን 694 ሺሕን ሄክታር ብሓፈሻ ልዕሊ 16 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተሓረሰ ተገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን 13 ሚሊየን 193 ሺሕን 219 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ዝተሸፈነ እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ ድማ 6 ሚሊየን 819 ሺሕን 674 ሄክታሩ ብክላስተር ዝተዘርአ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ብሕርሻ ፅድያ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ሲዳማ፣ ደቡብን ደቡብ ምዕራብን ክሳብ 2 ነሓሰ 2015 ዓ.ም 365 ሺሕን 625 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ስርናይ፣ ልዕሊ 1 ሚሊየን 15 ሺሕ ምሸላ ባሕሪን 281 ሺሕን 595 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ስገም ተሸፊኑ፡፡

ብተመሳሳሊ 157 ሺሕን 43 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ምሸላን 872 ሺሕን 362 ሄክታር መሬት ብካልኦት ዝራእቲን ብድምር 2 ሚሊየን 691 ሺሕን 758 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ተሓቢሩ፡፡

1 ሚሊየን 498 ሺሕን 597 ሄክታር መሬት ተኣኪቡ ድማ 25 ሚሊየን 994 ሺሕን 196 ኩንታል ምህርቲ ከምዝተረኸበ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment