ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ሰዓት 12 ተጀሚሩ።
ፈልሲ ምትካል ብንጉህኡ ጀሚርናዮ ኣለና ክሳብ ምሸት ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ብንጉህኡ ብዝናብ ወፂእኹም ሓምለዋይ ኣሰርኩም እተንብሩ ዘለኹም ኢትዮጵያዊያን ብሙሉእኹም ምስጋናና ይብፃሕኹም ድማ ኢሎም።
ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ሰዓት 12 ከምዝተጀመረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ብሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ዝመሓላለፍ ቁም ነገር ንስራሕ ኢለን።
እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ከምዝፀንሕ ተዛሪበን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ቀዳማይ ዙር ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምዘምፀአ ሓቢረን።
ነቶም ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል 9 ሺሕን 500 ቦታታት ካርታ (ጂኦስፓሻል ማፕ) ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።
ካብ 2015 ዓ.ም ክሳብ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር 25 ቢሊየን ፈልሲታት ክትከል ኢዩ።