ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኸነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኸነ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ሰብ ሞያ ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ተሳልጦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር÷ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላዋ ዛዚማ ርከብ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ሰብ ሞያ ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ዝኾነ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር እናወገነቶ ትርከብ ተግባር ዝበረታታዕ ኢዩ።

ካብ ኣሜሪካ፣ ሴራሊዮንን ኬንያን ዝመፅኡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ንግዜኢ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ “ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝጀመረቶ ተበግሶ ንካልኦት ሃገራት ዘለዓዕል ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ተበግሶ ብተግባራዊ ምንቅስቓስ መንግስቲን ዜጋታትን ክቕፅል ምኽኣሉ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ሰናይ ዓላማ ንኽቕፅል ናይ ኩሉ ሓላፍነት ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ንሓምለዋይ ልምዓት ዝሃበቶ ትኹረት ልዑል ለውጢ እናምፀአ ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ “ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝሓዘቶ ሸቶ ኩልና ትምህርቲ ንኽንወስድ ዝገብር ኢዩ” ኢሎም፡፡

Comments (0)
Add Comment