ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ተተኺሎም – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 615 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፍልሲታት ከምዝተተኸሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝዛም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ስዒቡ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

ሎሚ መዓልቲ ፀሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲታት ንኽንተክል ኩልና ኢትዮጵያውያን ሃቂንና ነይርና። ዝሓሰብናዮ እንተየዕወትና ፀሓይ ትዓርበና ኣይኮንናን እሞ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 615.7 ሚሊዮን ፈልሲታት ክንተክል ክኢልና ኣለና።

ህፃናት ተስፋኦም ተኺሎም ኢዮም። መናእሰይ ፅንዓቶም ኣርኢዮም ኢዮም። ኣረጋውያን ውርሲ ኣንቢሮም ኢዮም። ኢትዮጵያውያን ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቕ ካብ ገዝኦም ወፂኦም ዘይሃስስ ኣሰር ኣንቢሮም ኣለዉ። ብምትሕብባርናን ብምፅናዕናን ኣብ ካሊእ ክፋል ዓለም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዘይተገበረ ንሕና ኢትዮጵያውያን ገይርናዮ ኣለና። ሎሚ መዓልቲ ንሓለዋ ሚዛን ለውጢ ንብረት ኣየር ጠጠው ኢልና ውዒልና። ምዕራቕ ሓመድ ንምምምካት ተሰሊፍና ውዒልና። ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እናደኸምና ውዒልና። ምድሪና ሓምለዋይ ንምልባስ ልምላመ ንምምላስ እንተይተበዳህና ሰሪሕና ኢና። ፈጣሪ እውን ሓጊዙና ነዛ ሎሚ መዓልቲ ፀሓይር ዝሓሰብናዮ አዕዊትና ኣለና።

ሎሚ መዓልቲ 29.1 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ 318.4 ሄክታር ሓበሬታ ጂኦስፓሻል ኣብ ዝተረኸበሎም ቦታታት ፈልሲታት ተኺሎም ኢዮም። ክሳብ ሕዚ ኣብ መኽዘን ሓበሬታ ካብ ዝተመዝገበ ወፃእ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ሓበሬታ ብተኸታታሊ ክግለፅ ኢዩ።

ብዛዕባ ዘደምም ሕብረትን ፅንዓትን ኢትዮጵያውያን እነሆ ምስጋና። ንትልሚ ዓወትና፣ መሰጋገሪ ሓበሬታን ክትትልን ብምዃን ብትግሃት ዝሰራሕኹም ኣመራርሓታት ሰብ ሞያን ትካላት ሚዲያን ምስጋና ይግበአኩም። ናይ ትምኒት ተግባርና ኩሉ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ብሕብረት ሃኒፅካ ምፅናሕ ኢዩ። እዚ ክንቅፅለሉ ኢና።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment