ኣብ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግበር ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ 594 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓል ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ 594 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸለ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግበር ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ መላእ ክፋላት ኢትዮጵያ እናተኻየደ ይርከብ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ÷ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሕዚ 594 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ገሊፀን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ 8 ሺሕን 454 ጣቢያታት ፈልሲ 28 ሚሊየን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝተሳተፉ ተዛሪበን፡፡

#600_ሚሊየን_ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ

#ሓምለዋይኣሰር

#GreenLegacy

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment