ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ ፍርቂ ቢሊየን ብር ወፃኢ ን10 ኣዋርሕ ዝትግበር ፕሮግራም ሴፍቲኔት ንምጅማር ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ቢሮ ኣይተ ሰሎሞን ደስታ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ ንመፈፀሚ እቲ ፕሮግራም ዝተመደበ ገንዘብ ብምትሕብባር መንግስቲ ፌደራልን ባንኪ ዓለምን ዝተረኸበ ኢዩ።
ኣብቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረን ዝካየድ ፕሮግራም ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ ልዕሊ 32 ሽሕን 500 ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ከባቢያዊ ልምዓት እናተሳተፉ ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም። ፅሬትን ፅባቐን ከባቢ ከምኡ እውን ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት በቲ ፕሮግራም ዝትግበሩ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ካልኦት 6 ሽሕ ዓቕመ ደካማታት ኣረጋውያን ድማ ብቐጥታ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ኣፍሊጦም።
ተሳተፍቲ እቲ ፕሮግራም ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ብምዕቛር ኣብ ከይዲ ርእሶም ዝኽእሉሉ ስራሕቲ ንኽዋፈሩን ውሕስና ምግቦም ከረጋግፁ ከምዝግበርን እውን ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com