ኣብ ሑመራን ከባኡን ዝተቋረፀ ሓይሊ መሊስካ ንምርኻ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ምኽንያት ዝተቛረፀ ሓይሊ መሊስካ ንምርኻብ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሽረ- ሑመራ ኣብ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ልዑል መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ዝሽከም ናይ ሓፂን ዓምዲ ብዝበፅሐ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ሓይሊ ከምዝተቛረፀ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መምርሒ ኦፕሬሽንን ፅገናን መመሓላለፊን ከፋፈሊን መስመራት ሰሜን ምዕራብ ሪጅን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ መምርሒ ውበት ኣቤ ከምዝሓበሩዎ÷ እቲ ሓይሊ ዝሽከም ዓምዲ ካብ ከተማ ሑመራ ብ30 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ትርከብ ቀበሌ እንድሪስ ከምዝወደቐ ገሊፆም።

ብዝተፈጠረ ሓደጋ ተፈጥሮ ከተማ ሑመራ ሓዊሱ ኣብ ዳንሻ፣ ባዕኸር፣ ዓዲረመፅ፣ ሶረቃ፣ ማይካድራ፣ ዓብደራፊ፣ ኣብርሃጅራ፣ ዓዲጎሹን ኣደባይን ከምኡ እውን ኣብ ኩለን ናይ ገፀር ቀበሌታት ካብ 9 ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ተዛሪቦም።

ዝወደቐ ሓደ ሓይሊ ዝሽከም ዓምዲ ንምፅጋን ጉጅለ ቴክኒክ ኣብቲ ቦታ በፂሑ ፅገና ከምዝጀመረ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፤ ፅገና ንምዝዛም ክሳብ 10 መዓልቲታት ክወስድ ከምዝኽእል እውን ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ክሳብ ዝፅገን ብትዕግስቲ ንኽፅበ ፃውዒት ምቕራቡ እውን ካብ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment