ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘይግቡእ ፅዕንቶ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን መነግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብምድጋፍን ኣካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘይግቡእ ፅዕንቶ ብምቅዋምን ኣብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ኮንግረስ አባል ካረን ባስ ሎስ ኣንጀለስ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት፥  ኮንግረስ ኣሜሪካ ተመራፂ ካሊፎርኒያ ዝኾናን ኣብቲ ኮንግረንስ ኣካቢት ንኡስ ኮሚቴ ክትትል ኣፍሪካ፣ ጥዕና ዓለም፣ ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኸ ትካላትን ካረን ባስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ኮንግረንስ ዘቕረብኡ ኢትዮጵያ በዝምልከት ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ሚዛናውነት ዝጎደሎን ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይተደረኸን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ረቂቕ ውሳነ ውድቂ ንክኾንን ሓቃዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ብዘንፀባርቕ መልክዑ ነክዳሎን ብምሕታት ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዳሕ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣእቲዮም።

Comments (0)
Add Comment