ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳግም ምዝገባ ንኸካይዱ ፃውዒት ቀሪቡሎም ምዝገባ ኣብ ልዕሊ ዘየካየዱ 84 ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ በዓክ መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ኣፍሊጡ፡፡
ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ በዓል መዚ ማርታ ኣድማሱ÷ ዘላቒ ዝኾነ ስርዓት ኣወሃህባ ፍቓድ ንምትግባር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ ዳግም ምዝገባ እናተኻደ ምዃኑ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪበን፡፡
ኣብ ዳግም ምዝገባ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተሰሓሓተ ሰነድ እንድሕር ሃሊዩዎም ንኸስተኻኽሉ ወይ እውን ዝጎደለ ንኸማልኡ ዕድል ተዋሂቡዎም ከምዝነበረ ኣብሪሀን ።
ዳግም ምዝገባ ክገብሩ ካብ ፃውዒት ካብ ዝቐረበሎም 102 ትካላት እቶም 84 ዳግም ምዝገባ ከምዘይገበሩ ብምግላፅ፤ ምዝገባ ዘየካየደ ትካል ብፍቓዱ ካብ ስራሕቲ ምምሃር ምስርምሃር ከምዝወፅአ ይቑፀር ኢል።
ናብዚ ስራሕ ዘይኣተዉ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፍታብሄርን ብገበንን ሕጊ ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡
ብመሳፍንት እያዩ