ኣብ ልዕሊ ፍርያታት መሕለዊ ፅሬት ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ መድረኽ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ፍርያታት መሕለዊ ፅሬት ደቂ ኣንስትዮ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘፈር ውልቀን መንግስቲን ዘካተተ መድረኽ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ÷ ፍርያት መሕለዊ ፅሬት ብ ውሽጢ ኃገር ንኽፈሪን ተበፃሒ ንኽኸውንን ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ምውዳድ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ብትካላት ልምዓት ፈረንሳይ ተሓንፂፁ ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ንኽኸውን ካብ መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝ ትፅቢት ይግበር ምባለን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን÷ ስእነት መሕለዊ ፅሬት ክሳብ ፀገም ጥዕና ዘብፅሕ ከምዝኾነ ብምሕባር ፍሉይ ጠመተ ዝጠልብ ጉዳይ ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፀን፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ፣ ፋይናንስ፣ ዓውዲታት ዝርገሐን ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምሃብ ግንዛበን ርክብን ዘለዉ ማሕለኻታት ብምፍላይ መፍትሒ ንምእንፋት ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment