ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ዳግም ከምዘየንሳዕርር መልክዑ ክዛዘም ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀረ ለውጢ ኣብ ዝኾነ ጁንታ ህወሓት እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ዳግም ከምዘየንሳዕርር ገይርካ ክዛዘም ከምዝግባእ ኣብ ክልል ሲዳማ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ገሊፆም።

ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ኣብታ ከተማ ምስዝነብሩ ተወለድቲ ትጋራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳ ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ረዳት ፕሮፌሰር ፀጋየ ቱኬ፥ ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያዊነት ዋጋ ዝኸፈለ ዓቢዪ ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘየድሊ እዋን ዘየድሊ መስዋእቲ እናኸፈለ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ምክትል ከንቲባ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ጣዕሚ ፍረ ለውጢ እናተቛደሰ ከምዝኾነን እቲ ክልል ንምልማዕ ብሓባር ከምዝሰርሑን ኣብሪሆም።

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ግራይ ዝኾኑ ዶክተር ሓድጉ ኪሮስ ብግደኦም፥ ብምኽንያት እቶም ውሑዳት ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ እውን ብልዑል ብርኪ ናይቲ ፀገም ተቓላዒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ከምዘይኮኑ ዝገለፁ ዶክተር ሓድጉ፥ ህዝቢ ትግራይ ጭቆና ንምስዓር ከምዝተቓለሰ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተወለድቲ ትግራይ፥ በቲ ፅንፈኛ ዝተፈፀመ መነወሪ ተግባር ብምኹናን ህዝቢ ትግራይ ንነዊሓ ዓመታት ከምዝተጎድአ ተዛሪቦም።

እቶም ተወለድቲ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ መሰሎም ተሓሊዩን ሕጉሳት ኮይኖም ከምዝነብሩን ምግላፆም ካብ ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment