ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታትን ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ንምውጋድ ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታትን ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ንምውጋድ ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ( ዶ/ር) ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ነዚ ዝበላ፥ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ግርዛት ደቂ ኣኒስቲዮን ንምውጋድ ዝተጣየሸ ጥምረት ብምውካል ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተሰናድአ መርሃ ግብሪ ሽልማት ኣፍልጦ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታትን ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ንምውጋድ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሕጊ፣ ፖሊስን ፕሮግራምን ኣብሪሀን።

እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን ሽልማትን መንግስቲ ንማዕድነት ስርዓተ ፆታን ምብቃዕ ደቂ ኣኒስቲዮን ንዘለዎ ቁርፀኝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘውዕሎ ከምዝኾነ ገሊፀን።

 

Comments (0)
Add Comment