ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለየ ኹነት ክዝከር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለየ መርሃግብሪታት ከምዝዝከር ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ኩሉ ግዘ ዝዝከርን ፈፂሙ ዘይርሳዕን ዕለት ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ሃሩርን ቁሪን እነተይበደሆም ኣብ ጉድጓድ ቡኻርያ ዝፀንሑ ኣባላት እዚ ሰሜን÷ ብክሕደት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣረመኔያዊ ጭፍጨፋ ዝተፈፀሞም ጀጋኑ ሰማእታት ወለዶ እናዘከሮም ከምዝነብር እውን ገሊፁ።

ሎሚ እውን ብፈተውቲ ሃገር ደቃ ሉኣላውነታ ከምዝተኸበረን ሰንደቓ ሓፊ ኢሉ ምውልብላቡን ቀፂሉ ኣሎ ዝበለ እቲ ምምሕዳር÷ “ሰራዊት ምክልኻል ብደሙ ዘፅናዓ ሃገር ቀትርን ለይቲን ሰሪሕና ድኽነት ተቓሊስና ብምስዓር ናፅነትን ሉኣላውነትን ሃገርና ክነጠናኽር ኢና” ኢሉ፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ እውን ብመሪሕነት ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ሃገር ንምብታን መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ህወሓትን ተሓባበርቱን ብጅግንነት ብምምካት ሉኣላዊነት ሃገር ንምሕላው መወዳደርቲ ዘይብሉ መስዋእትነት እናኸፈለ ምስ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ንዝኽሪ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ምቃዕቲ ፅባሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኩሎም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ነበርቲን ብተመሳሳሊ ኩነታት ብዝተፈላለዩ ኹነት ከምዝዝከር ተመልኪቱ፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ካብ ንጉሆ ሰዓት 4 ጀሚሩ ኩለን ተሸከርከርቲ ንሓደ ደቂቕ ክላክስ ከስምዓ ኢየን፣ ሰዓት 4፡30 ብተመሳሳሊ ሰዓት ኩሎም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣመራርሓታት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ሰራሕተኛታትን ነበርቲን ኣብ ዝዋፈሩሉ ኣብ ዘለዉዎን ቦታ ጠጠው ብምባል ኢዶም ኣብ ኣፍ ልቦም ብምግባር ድምፆም ሓፍ ኣቢሎም “ንኢትዮጵያ ዝኸፈልኩምዎ ኣይንርሰዖን” ብምባል ነቶም ሰማእታት ዘለዎም ክብሪ ክገልፁ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment