ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንምዝካር 24 ጥቅምቲኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“24 ጥቅምቲ ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንምዝካር 24 ጥቅምቲኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኣይ ከበደ ዴሲሳ እቲ መዓልቲ ዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንገዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ንክልል ትግራይ እናሓለዉ ዝነበሩ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር 24 ጥቅምቲ ከምዝተጨፍጨፉ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መዓልቲ ኣብ መላእ ሃገር ከምዝዝከር ብምፅራሕ፤ እቲ ተግባር ብዝኾነ ይኹን እዋን ዘይርሳዕ ገበን ክሕደት ሃገር ኮይኑ ብታሪኽ እናተለዓለ ዝነብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ እዋን ኲናት መስዋእቲ ኣብ እዋን ሰላም ድማ ምስ ማሕበረሰብ ትግራይ ሕርሻ ዝሓርስን ቤት ትምህርቲ ዝሃንፅ፣ መገዲ ዝሰርሕን ኣገልግሎት ሕክምና እናሃበ ንህዝቢ ትግራይ ሓላ ኮይኑ እናገልገለ ዝነበረ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብጭካነ ከሓድቲ ጭፍጨፋ ዝተኻየደሉ ዕለት ኢዩ፡፡

መጥቃዕቲ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን፤ መጀመሪ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ እኩይ ተግባርን ተሓሲቡሉ ዝተገበረ ልኡኽቶን ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

እቲ ዕለት ኣብ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን በቢብርኩ ከምዝኽበር እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም፡፡

ብፀጋዬ ወንደሰንን የሻምበል ምሕረትን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment