ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝኾነ ይኹ ፅዕንቶ ከምትኹንን ሩሲያ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል መምርሒ ከምትኽተልን ሕረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ዝግበር ጥምረት ከምትድግፍ ገሊፃ።

ትማሊ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉ ኣኼባ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ቤት ምኅሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት መንግስታት ኣብ ዝፀውዖ ኣኼባ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሳቲፈን፡፡

ኣብዚ ድማ ሩሲያ ንሉኣላውነት፣ ናፅነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓገዝን ቆራፀነትን ምርግጋፃ ኣብ መግለፂኣ ኣፍሊጣ፡፡

ሩሲያ ኣብ መግለፂኣ ወሲኻ ከምዝሓበረቶ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሕዚ እውን ዝተሓላለኸ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ኩነታት ፖለቲካዊ ምግባር ዝግበር ፈተነ ሕዚ እውን ከምቀደመይ ይቃወም” ኢላ።

እዚ እውን ፀገም ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ውፅኢት ከምዘየምፅእ ከምኡ እውን ወታደራዊን ፖለቲካዊን ቀውሲታት ንምፍታሕ ኣስተዋፀኦ ከምዘይገብር ኣገንዚባ።

“ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል መምርሒ ከምትቕበል ዝገለፀት ሩሲያ፥ ሕረት ኣፍሪካ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ከምትንእድ ኢያ ገሊፃ ዘላ፡፡

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝኾነ ይኹ ፅዕንቶ ከምትኹንን እውን ሩሲያ ኣብ መግለፂኣ ኣፍሊጣ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment