ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ምንባር ማለት ፀረ ሰላም ሓይሊታት እዚ ቀጣና ዘጠናኽር ኢዩ-ሚኒስትር ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ምንባር ማለት ፀረ ሰላም ሓይሊታት እዚ ቀጣና ዘጠናኽር ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን   ደቡብ ሱዳን ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል መኽዲ ምስ ሚኒስትር ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን   ደቡብ ሱዳን ባንጋሲ ጆሴፍ ባኮሶሮ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ዘድሃበ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ባንጋሲ ዮሴፍ ባኮሶሮ፥ መነግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምችቻው ንዝገበሮ ቁርፀኝነት ንኢዶም።

ውሱናት ናይ ወፃኢ ኣካላት ኢትዮጵያ ንምፅላም ዝገብርዎ ወፍሪ ፕሮፓጋንዳ ኣውጊዞም።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ምንባር ማለት ፀረ ሰላም ሓይሊታት እዚ ቀጠቀነቀ ዘጠናኽር ኢዩ ምበባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment