ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ዘብፅሑ ዘለዉ ዕጡቓት ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ-ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ዘብፅሑ ዘለዉ ዕጡቓት ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት በዝበፅሑ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም፣ ንብረቶም ዓኒዩን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን ኢዮም ተባሂሉ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞን ቤኒሻንጉልጉምዝን ንፀገም ፅታ መበገሲ ዝኾኑ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ኢዮም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ገበን ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል መላኩ ፈንታ፥ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዘፍፀም ዘሎ ፍፁም ኣረሜንያዊ ዝኾነ ተግባር ዝፍፅሙ ዕጡቓት ተልእኾ ዝተውሃቦምን ወፍሪ ወሲዶም ዝንቀሳቐሱን ካብ ጉጀለ ህወሓት ከምዝኾነ ከምዝተፈለጠ ተዛሪቦም።

እቶም ዕጡቓት ዝተወደቡን መስ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ሓይሊ ፀፅታ ኣበ ዘለዎ ከልተን ሰለስተን ብምዃን ዕጥቆም ብምሕባእ ብደባይ ጉድኣት ዘብፅሕ ስራሕ ዝሰርሑ ብምዃኖም ዝኽተልዎ ሰልቲ አውን ኣፀጋሚ ከመዝኾነ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሓቢሮም።

ፖሊስ ፌዴራል ምስ ፖሊስ ክልልን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብሓባር ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኦሮሞን ቤኒሻንጉልጉምዝን ነቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ዝተወሰደሎም አንትኸውን፥ ኣብ መተከል 3 ሺሕ ዕጡቓት፣ መስ 900 ዘመናዊ መሳርሒታት ኲናትን ለዕሊ 1 ሺሕ ቀስትን ካልኦት ባህላዊ መሳርሒታትን ተታሒዞም።

ምስ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ሓይሊታት ፀፅታ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝሰርሖ ስራሕ ልዕሊ 270 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኸውን፥ እቶም 72 ኣመራርሓታት እቲ ክልል ዝነበሩ ናብ ቤት ህንፀት ክኣትዉ ተገይሮም ኢሎም እቶም ኮሚሽነር።

ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ብምጭፍጫፍ ካብ ዝድለዩ 260 ውልቀ ሰባት እቶም 137 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ዝተረፉ ካብ ሃገር ሃዲሞም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ንመሓዝን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘኽእል ሰነድ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም።

ፀገም ፀፅታ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፍታሕ ብፍላይ ድማ ብዕጡቓት ሓይሊታት እናበፅሐ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፤ ሕብረተሰብ ሓቢሩ ክሰርሕን ተሓዋዊሶም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብምቅላዕን ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እቶም ኮሚሽነር፥ ስግኣት ፀፅታ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ሓዊሱ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዕዉት ኩነታት ንኽካየድ ዘኽል ምድላው ምግባሩ ገሊፁ፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment