ኣብ ልዕሊ ተሸከርካሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ተሸከርካሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት እንትሓልፍ 10 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ዓኒዩ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣይተ ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓደጋ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4፡45 ኤፍ ኤስ ኣር ተሽከርካሪት ናብ ኣዳማ ናይ ሓበሻ ኣረቂ ፅዒና እናተጓዓዘት እናሃለወት ኣብ ጣቢያ ክፍሊት መእተዊ ኣዳማ እንትትበፅሕ ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ተሸከርካሪት ዝነበሩ ሰለስተ ሰባትን ሓደ ሰራሕተኛ ትኬት ጣቢያ ክፍሊት ሽዑ ንሽዑ በቲ ባርዕ ሓዊ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

አራት ሰዎችም ከባድ የቃጠሎ አደጋ ደርሶባቸው በአዳማ ሆስፒታል የህክምና ክትትል እየተደረገላቸው ይገኛል

ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከቢድ ሓደጋ ምቅፃል ኣጋጢሙዎም ኣብ ሆስፒታል ኣዳማ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ይርከብ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣረቂ ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሸከርካሪትን ካልኦት ሰለስተ ተሸከርከርቲን ከምዝተቓፃላ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment