ኣብ ልዕሊ ብዘይብፅሒት እንትነግዱ ዝነበሩ 1 ሺሕን 145 ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ብዘይብፅሒት  እንትነግዱ ዝነበሩ 1 ሺሕን 145 ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ እቶት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ቢሮ ኣይተ ሰውነት ኣየለ፥ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ዓቕሚ እቶት ዘለዋ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ምእካብ ዝግበኦ ዓቕሚ እቶት ፀንቂቕካ ንምእካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ምእካብ እቶት ምዝርገሖም ኣብሪሆም።

እዚ ናብ መርበብ ታክስ ዘይኣተዉ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ባርን ቤት ብልዕን፣ እንዳ ስጋ፣ ኣካረይቲን ተኻረይቲን ናብ መርበብ ታክሲ ናይ ምእታው ስራሕ ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ከተማ ብዘይብፅሒት ዝግበር ንግዲ ንምትራፍን እቲ ምምሕዳር ክረኽቦ ዝኽእል ኣታዊ ንምእካብን ብምምሕዳር ከተማ ዘመራሕ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ቁፅፅር ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ብዘይብፅሒት እንትነግዱ ዝነበሩ 1 ሺሕን 145 ነጋዶን ትካላትን ስጉምቲ ምውሳዱ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment