ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ክሕደት ሃገርን ኢዩ – ኣመራርሓታት ፓርቲ ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ክሕደት ሃገርን ከምዝኾነ ኣመራርሓታት ፓርቲ ፖለቲካ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖርት ፃንሒት ዝገበሩ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ከምዝበሉዎ፥ እቲ መጥቃዕቲ ይትረፍ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ዘይግባእ፣ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ይቕረ ክበሃል ዘይኽእልን ዝኹነንን ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ ኣይተ ማሙሸት ኣማረ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ሃገር ኣብ ዝመርሐሉ እዋን ይኹን ሕዚ ካብ ስልጣን ምስተልዓለ ህይወት ዜጋታት እናቐጠፈ፣ ብዙሓት እናመዛበለን መስካሕክሒ ኢሰብኣዊ ተግባርን እናፈፀመ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ተግባሪን ዘረብኡን ነኒበይኑ ከምዝኾነ ዘርኢን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ ግን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝኸፍአ ኢሰብኣዊ ተግባርን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣይተ የሽዋስ ኣሰፋ ብግደኦም፥ እቲ ጉጅለ ሃገር ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ህፁፅ፣ ፈታኒን ቀፃሊ ዕጫኣ ንምውሳን ዘኽእሉ ጉዳያት እናፈፀመት ኣብዘለትሉ እዋን ንብዙሕ ዘበናት ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዋሕስን መኸታን ኣብ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዘብፀሖ መጥቃዕቲ መሕፈሪ ስራሕ እቲ ጉጅለ ካብ ቃል ንላዕሊ ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ኢትዮጵያን ክሕደትን ጥፍኣትን ካብ ዝጅምር ብዙሓት ዓማውቲ ተቖፂሮም ኢዮም ዝበሉ እቶም ኣመራርሓታት ፓርቲ ፖለቲካ፥ ሕዚ ድማ ዓንዲ ሑቐ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ካብ ስሕተቱ ዘይመሃርን ንውድቀት ሃገርን ዜጋታታን ዘይህርስ ከምዝኾነ ዘርአየሉን ዘረጋገፀሉን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተገዲዱ ዝኣተዎን ንባዕሉ ንምክልኻል ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝድገፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መንግስቲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ፓርቲ ፖለቲካ፥ ኣብ ልእሊ ሃገርን ወገንን ዝተሃቀነ ተግባር ካብ ምምካት ብተወሳኺ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዘዋፈሮም ተለኣኣኽቲ ናይ ምክትታልን ንሕጊ ናይ ምቕራብን ስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብሙሐመድ ዓሊ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment