ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ህወሓት ዝተወሰደ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወሰደ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነበሩ ሮኬታት ሓዊሱ ካልኦት ዝተፈላለዩ ከበድቲ መሳርሒታት ሙሉእ ቡሙሉእ ምዕናው ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

እቶም ሮኬታት ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክውንጨፉ ዝኽእሉ ከምዝኾኑን እቲ ገበነኛ ጉጅለ ነቶም ሮኬታት ናይ ምጥቃም ድሌት ስለዝነበሮ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ኣብ ዝነበረ መቐመጢ ከበድቲ መሳርሒታት ሓይሊ ኣየር ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment