ኣብ ልዕሊ ህዳሰ ግድብ ይምዘገብ ኣብ ዘሎ ዲፕሎሚያሲያዊ ዓወት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ልዑል ብፅሒት ምብርካት ጀሚሩ-ኣምባሳደራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ህዳሰ ግድብ ናይ ምህናፅ መሰላ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብምግላፅ እተመዝግቦ ንዘላ ዲፕሎሚያሲያዊ ዓወት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ልዑል ብፅሒት ምብርካት ከምዝጀመረ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ሰብ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ስዑዲ ዓረብን፥ ብሓሳብ ክርክር ረብሓ ሃገሮም ንምሕላው ብፍልጠትን ገንዘብን ድጋፍ ምግባር ምቕፃሎም ገሊፆም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን  ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ፥ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ከይዲ እቲ ድርድር ብምምኻር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ወፍሪ ብምግባር ብፅሒቶም ከምዝተዋፅኡ ሓቢሮም።

እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ወፍሪ ናብ ገንዘብ ናይ ምቕያር ስራሕቲ በቲ ኣምባሲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ኣብ ሓፂር እዋን ልዕሊ 30 ሺሕ ዶላር ከምዝተኣከበ እውን ተዛሪቦም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን  ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ብግደኦም፥ ኣብ ክሊ ህንፀት እቲ ግድብ ዝግበር ድርድር ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ናይ ምፍታሕ ኣካይዳ ክነኣድ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቻይና ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኤሲያ ንዝርከቡ ዜጋታት ግደኦም ንክዋፅኡ ዓሊሙ የተሓባበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያውያን መሰረት ህልውንኦም ምዃኑ ዘርእይ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይካየድ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን  ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ኣይተ ኣብዱላዚዝ ኣሕመድ፥ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዝተሰሓሓቱ ሓሳባት ናይ ምእራሕ ፅኑዕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብሃይለኢየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment