“ኣብ ልቢ ህፃናት ፈልሲ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ልዕሊ 1 ሺሕ ህፃናት ብምኻን መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ  “ኣብ ልቢ ህፃናት ፈልሲ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ልዕሊ 1 ሺሕ ህፃናት ብምኻን መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ተኻይዱ።

ምስ እቶም ህፃናት ብምዃን ፈለሲ ዝተኸላ መክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ ህፃናት ብምዃን ፈልሲ እንተክል ኣብ ልቢ ህፃናት እወንታዊ ዘርኢ ንምኝዝራእ ኢዩ ኢለን።

እዚ ድማ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ዜጋን ሃገርን ንምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢረን።

እቲ ፈልሲ ንክፀድቕን ፍረ ንከፍርን ምክንኻንን ምሕላውን ይግባእ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ እቶም ህፃናት ካብ ብሐዚኦም ልምምድ ክገብሩ ከምዝግባእ ገሊፀን ክብል ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት  እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment