ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ 51 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ሊባኖስ ይነብሩ ዝነበሩ 51 ኢትዮጵያዊያን ብክልተ በረራታት ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ወገናት ኣብቲ ዞባ ብዘሎ ዘይምርግጋእ ምኽንያት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ይግበር ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ 51 ኢትዮጵያዊያን ካብ ሊባኖስ ናብ ሃገረም ዝተመለሱ እንትኾኑ÷ ኣብቲ እዋን ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማርያም (ዶ/ር)፣ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነቢያት ጌታቸውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ድሕንነቶም ተሓሊዩ ናብ ሃገሮም ልኽምለሱ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ወገናት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላ ጄኔራል ኢትዮጵያ ብምምዝጋብ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእሉሉ ዕድል ንኽጥቀሙ ኣገንዚቦም፡፡

ተመለስቲ ዜጋታት ብግደኦም÷ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገበረሎም ምትሕብባር ኣመስጊኖም።

ካልኦት ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ወገናት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝግበር ሓገዝ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ብይስማው ኣደራው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment