ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ዜጋታት ደሕንነቶም ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ዜጋታት ደሕንነቶም ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ብዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ንድሕንነት ዜጋታት ልዑል ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ 51 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ነቲ ፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑን ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝደሊዩን 3 ሺሕ ዜጋታት ከምዝተመዝገቡ ሓቢሮም።

እቲ ምዝገባ ሐዚ እውን ብኣካለ፣ ብቴሌፎንን ኦን ላይንን ኣማራፅታት ይቕፅል እኳ እንተሃለየ ዜጋታት ግን ተፅቢት በዝግበረሎም ልክዕ ኣይምዝገቡን ዘለዉ ኢሎም።

ብውብርስት ተሰማ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment