ኣብ ሊቢያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓያልን ኣዕናውን ህቦብላዊ ውሕጅ ኣሽሓት ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ማዕኸን ሚዲያ ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ፥ ልዕሊ 2 ሽሕ ሞት፣ ኣሽሓት ከኣ ምጥፋእ ደሃይ ኣጋጢሙ።

ጃለል ሃርቻዊ ዝተባህለ ሊብያዊ ሞያዊ፥ ቍፅሪ ዝሞቱ ሰባት “ሓያሎ ኣሽሓት” ክበፅሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ሸውዓተ ኣባላት ሰራዊት ሊብያ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ።

ከተማታት ምብራቓዊ ሊብያ – ቤንጋዚ፣ ሱሴ፣ ደርናን ኣልማርጅን ተሃስየን ኣብ ዘለዋሉ እዋን፥ ኣብ ሰብ መዚ ምብራቕ ሊብያ ኣዋጅ ሰዓት ሕላፍ ብምእዋጅ ኣብያተ ትምህርትን ድኳናትን ክዕጸዋ ኣዚዞም ኣለዉ።

ቍፅሪ ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፥ ቀይሕ መስቀል ሊብያ ብውሕዱ 150 ኣባይቲ ከም ዝዓነዉ ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment