ኣብ ሉኣላዊነት ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ናይ ባዕልና ግደ ክንዋፃእ ኢና – ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሉኣላዊነትን ሃገር ንምክልኻል ተግባራዊ ዝኾነ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተፈፃሚ ንምግባር ናይ ባዕልሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም።

ኣባል እቲ ባይቶ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈቱ ወታደራዊ፣ ቁጠባዊን ፕሮፓጋንዳን ውግኣት ንህልውና ሃገር ዝፈታተኑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እዞም ሓይሊታት ምስ ካልኦት ፀላእቲ ኢትዮጵያ ተሸሪኾም ብውግንና እናሰርሑዎ ዝርከቡ ተግባር ንምምካት ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘለዎ ረብሓ ኣብሪሆም።

ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ክርስቲያን ታደለ ብግደኦም፥ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ይሃቡ እምበር ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዜጋታት ወሰንቲ ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ተዛሪቦም።

ኣባል መርማሪ ቦርድ ኣፈፀምቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝኾኑ ኣይተ ክርስቲያን፥ ቅድም ክብል ዝነበሩ ኣዋጅ ህፁፅ እዋናት ኣባላት መርማሪ ቦርድ ማእኻላውነት ፓርቲ ይስተውዓሎ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓድነት ሃገሮም ዘንፀላለወ ሓደገ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምድምሳስ እናገበሩዎ ዝርከቡ ቃልሲ ንኸጠናኽሩ ሓቲቶም።

ውሽጣዊ ሓድነት ብምጥንኻር ናይ ወፃኢ ፅዕንቶታት ምፅዋር ከምዝከኣል ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment