ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ዝዝቲ ጉባኤ ሚኒትራት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ዝዝቲ መበል 18 ጉባኤ ሚኒትራት ኣፍሪካ ኣብ ሴኔጋል ዳካር ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትራት÷ ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ከም ቅልውላው ጥዕና፣ ምግቢ፣ ሓይሊን ገንዘብን ኣድሂቦም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየርን ኣብ ድሕንነት ህዝቢታትን ትኹረት ገይሮም ከምዝመያየጡ ሚኒስትር ከባቢን ዘላቒ ልምዓትን ሴኔጋል ኣብዱከሪም ሳል ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ተዛሪቦም፡፡

ስእነት ስራሕ ዜጋታት ኣብ ዝንክዩን ናብራ ኣብ ዘመሓይሹን ጉዳያት ትኹረት ተገይሩ ብሓባር ከም ሓንቲ ኣህጉር ምስራሕ ይግባእ ከምዝተብሃለ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment