ኣብ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈት ተሓካሚት ኣደ ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ዝኾነ ህፃን ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምርምራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡዋ ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መሐከሚ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ክትትል ሕክምና እናተገበረላ ትርከብ ጓል 34 ዓመት ኣደ ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ዝኾነ 3 ነጥቢ 1 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዎ ህፃን ብመጥባሕቲ ተገላጊላ።

ካፍቲ ህፃን ብዝተወሰደ ጥማዕ ደም ብዝተኻየደ ምርመራ ላቦራቶሪ እቲ ህፃን ብቫይረስ ኮሮና ከምዘይተለኸፈ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ እታ ኣደ እውን ኣብ ፅኑዕ ክፍሊ ክትትል እናተገበረላ ይርከብ።

ሚኒስቴር ጥዕና ድማ እቲ መጥባሕቲ ሕክምና ብዕዉት ኩነታት ንዘካየዱ ጉጅለ ሕክምና፣ ካብ ጎኒ እቶም ሓኻይም እንተይተፈለዩ ክትትል ንዝገበሩ፣ ብቆራፅነት እናገልገሉ ዝርከቡ ሰብ ሞያታት ሕክምናን ሓገዝ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትትን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ፥ ኣብ እዋን ጥንሲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ኣዶ ናብ ውላድ ናምትሕልላፍ ዕድሉ ዝተሓተ ኢዩ።

ዝተሰኑ መፅናዕቲታት ግን ኣብ እዋን ጥንሲ፣ ኣብ እን ሕርሲ ይኹን ድሕሪ ወሊድ ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ዋላ ኣይረጋገፅ እምበር ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ እቲ ቫይረስ ኣብቶም ህፃናት ከምዝተረኸበ ይሕብሩ።

ዋላ እኳ ኣብ እዋን ጥንሲ ናይ ምምሕልላፍ ዕድሉ ዝተሓተ ይኹን እምበር ድሕሪ ወሊድ ህፃናት ጡብ ክጠቡ እንተለዉን ኣብ ዝህሉ መዓልታዊ ምንኽኻእን እቲ ቫይረስ ናይ ምምሕልላፍ ዕድሉ ዝለዓለ ስለዝኾነ ኣድላዪ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment