ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 444 ዓመት በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ዓረፋ እንትነኽብር ብዘይኣፈላላይ ዝተፀገሙ ብምትሕግጋዝ ክኸውን ይግባእ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ነቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ዝሃቡ ፕሬዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር፥ ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር ኣብ መልእኽቶም፥ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ተነፃፃሪ ሰላም ብምዃን ዝኽበር ዘሎ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለዝርከብ ፀገማት ህዝቢ ብምትሕግጋዝ ብምፍታሕ ክነኽብሮ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለው ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ንምፍታሕ መላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዝኸኣልዎ ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።